
Virtual art exhibition & panel discussion
with Gianluca Costantini 5 pm – 9 pm (Berlin)
18 sep. 2021 Frankfurt am Main / Ubuntu Haus
With Gianluca Costantini, Abraham Tesfay, Samson Solomon, Tsegay Mehari e Kibrom Demoz

መስከረም 18_19.09.2021ዕለት 18 መስከረም 2001 ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝኸፍአ ታሪኽ ዝሰነደት ዕለት ‘ያ። ኣብዚ ዕለት እዚ ልክዕ ቅድሚ 20 ዓመታት፡ዉልቀ መላኽነቱ ኣብ ምርግጋጽን መሰል ህዝቢ ኣብ ምዕፋንን ዝወፈረ መንግስቲ ኤርትራ፡ እተን ንህዝቢ ዓይኑ ከብርሃሉን፡ መንቋሕቛሕታ ኮይነን ልሳን ክኸፍታሉን፡ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምሉእ ብምሉእ ብምዕጻዉ፡ ዳርጋ ንዝበዝሑ ኣባላተን ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትይዎም። ናይ እከይ ተግባራቱ ሓታቲ ዘይብሉ ንምስላጥን፡ ንህዝቢ ካብ ሓቀኛ ሓበሬታ ከዊሉ፡ ብ ቤላቤልዉን ወረታት ባዶ ሰለስተን(03) ዓዊሩ ከምዝነብር ብዝመሃዞ ሜላ ጋዜጣታት ዓጽዩ። ሰራሕተኛታተን ድማ ፡ ሓቲትካ እዉን መላሲ ኣብ ዘይርከቦ ጎዳጉዲ ደርብይዎም ይርከብ።
ኢጣልያዊ ቀብኣይ፡ ጊያንሉቻ ኮስታንቲኒ (Gianluca Costantini )፡ነዞም መንግስቶም ዝኸሓዶም፣ እንትርፎ ሓቂ ምንም ኣበሳ ዘይብሎም። ክሲ ይኹን ፍርዲ ዘይቀረበሎም፣ ንጹሃን ጋዜጠኛታት ምስ ዓለም ንምፍላጥ፡ ናይ ነፍሲ ወከፎም ቅብኣ ኣዳልዩሎም ይርከብ። በዚ መሰረት ኡቡንቱ ሃዉስ ምስዚ ኢጣልያዊ ቀብኣይ ብምርድዳእ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ንዝኽሪ ናይዞም ጋዜጠኛታትን፡ ንኩሎም ፍትሒ ብምጉዕጻጽ ብዘይ ክስን ፍርድን ተሓይሮም ንዝርከቡ ዜጋታትና፡ ናይ ቅብኣ ኤግዚብሽን ኣዳልዩ ንኹሎም ጉዱሳት ይዕድም።እዚ ን ዕለት 18_19 መስከረም ተዳልዩ ዘሎ ናይ ቅብኣ ኤግዚብሽን፡ ምስ ዝተፈላለየ ዕላላት ናይ መቕርብን ቤተሰብን፡

ከምኡ እዉን ብመጭወይትን ጥፍኣትን ዜጋታቶም ናይ ዝግደሱ ዜጋታት ዝካየድ ዕላላት ዝስነ ‘ዩ። ብዝተኻእለ እዉን ብቐጥታ ምስዚ ኢጣልያዊ ቀብኣይ ብመንገዲ ዙም ዕላል ከነካይድ ኢና። ኣብዚ ጉዳይ ኣፍልጦን ተገዳስነትን ዘለኩም ዜጋታት ክትሳተፉ ድማ ንዕድም። እዚ መደብ ናይ ዕለት 18 ብትግርኛ ዝካየድ ክኸዉን እንከሎ፡ ናይ ዕለት 19 ድማ ብ ቋንቋ ጀርመን ‘ዩ ክኸዉን።ነዞም ናይ ሕደገትን ይቕረ ምብህሃልን መጻሕፍትን ዛንታትን፡ ሒዞምልና ክመጽኡ እንጽበዮም እሱራትና ምዝካር ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍና ‘ዩ። ብፋላይ ግን ኣነ ወገን ህዝበይ ‘የ! ወጽዓ ህዝበይ የሕመኒ ‘ዩ! ኣብ ጎኒ ፍትሒ ዝተሰለፍኩ ‘የ ! ዝብል ሰብ፡ ካብዚ ዕለት እዚ ዝዓቢ የለን ‘ሞ፡ ኣብ ዝኽሮም ሓቢርና ንዉዓል።