Saalbau Griesheim Frankfurt Am Main
25 – 26 September 2021, Ubuntu Haus
Community-Tag / ማሕበረኮማዊ ኤክስፖ ባዛር ኣብ ከተማ ፍራንክፈርትù








ኡቡንቱ ሃዉስ ከም መቐጸልታ ናይቲ መዓልታዊ ዘካይዶ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሕወየትን ዕብየትን ዘተኮረ መደባት፡ ሕጂ እዉን ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ንኹሉ ህዝቢ ሓበሻ ዘሳትፍ፡ ማሕበረኮማዊ ኤክስፖ ኣዳልዩ፡ ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጆባእ ይበለና ኣሎ። ንዓና ይኹን ንደቅና ምስ ባህልናን ልምድናን ዝኸይድ፡ ንማሕበራዊ ርክባትናን ጥርናፈናን ባህልታትናን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ባህላዉን ማሕበራዉን ዉርሻታትናን ጸጋታትናን ዝሓለወ ናይ ሓባር ህዝባዊ ኤክስፖ ኣይተኻየደን። ነዚ ጸገማትን ሕጽረታትን ኣብ ግምት ብምእታዉ እምበኣር ኡቡንቱ ሃዉስ ነዚ ፈውሲ ዝኸዉን ዉሕሉልን ቅርጡውን ውዳበ ዘለዎ ሓበራዊ ኤክስፖ ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፉሉይ ግን ንህዝቢ ሓበሻ ኣዳልዩልና ይርከብ። ኡቡንቱ ሃዉስ ከም ኩሉ እዋን “ካባና ብኣና ናባና!” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ሒዙ ዝጎዓዝ ናይ ህዝቢ ትካል ከም ምዃኑ መጠን፡ እዚ ኤክስፖ እዚ ድማ ህዝቢ ወናኒኡ ብህዝቢ ዝካየድ እምበር፡ ሓደ ኣንፈት ዝኸተል መራሕን ተመራሕን ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ ናይ ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን ህዝቢ ብዝለዓለ መጠን ዋንነቱ ኣረጋጊጹ ክሳተፈሉን ኣብ ዉራዩ ባዕሉ ሓላፊ ምዃኑ ከርእይ ምሉእ ዕድል ኣለዎ።ን ዕለት 25_26 ወርሒ 9 _ 2021 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ሓበራዊ ናይ ዘተ ትምህርትን ሰሚናራትን ዘካተተ ናይ መጀመርታ ኤክስፖ ናይ ህዝበ ሓበሻ ፡ ማሕበረኮማዊ ጥርናፍኦም ከዕብዩሉ ዝኽእሉ ዉሁድ መዓልቲ ተዳልዩ ኣሎ። ዓዳምን ተዓዳን ንቡር ስለኾነ እምበር፡ እዚ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝዓለመ ማሕበረኮማዊ ዕብየትን ሕዉየትን ሕላገቱ ዕለት ክኸዉን ‘ዩ ሕርያና። ዝኾነ ይኹን ህዝባዊ ጉዳይ ዘለዎም ትካላትን ዉልቀ ሰባትን ንኽሳተፉ ድማ ምሉእ ዕድል ኣለዎም። ኣብዚ ክሳተፉ ዝኽእሉ ትካላትን ዉልቀ ሰባትን፣• ናይ ስነ-ኣእሙሮ ክኢላታት
• ዝተፈላለየ ሞያዊ ብቕዓት ዝዉንኑ ዉልቀ ሰባትን ትካላትን
• ደረስቲ መጻሕፍትን ፊልምታትን ገጠምትን ጸሓፍቲ ሓጺር ዛንታን
• መጻሕፍቶም ከላልዩን ክሸጡን ዝደልዩ ትካላትን ዉልቀ ደረስትን
• ናይ ቅብኣ (ስእሊ) ኤግዚብሽን ክገብሩ ዝደልዩ
• ስርሓቶም ከላልዩ ዝደልዩ ሙዚቀኛታት
• ጠባቓታት
• ተርጎምቲ
• ናይ ህዝቢ ጉዳይ ፈጸምቲ
• ወነንቲ ድኳናት
• ወነንቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ መሰተን ቤት መግብን
• መምሃራን ናይ ቋንቋ
• ወነንቲ ናይ ዩቱብ ቻነላትን ካልእን
• ናይ ሓበሻ ዱኳናት ስርሓቶም ከላልዩ (ከም ዙርያን ካልእ ባህላዊ ፍርያትን)
• ዝተፈላለየ ኢደ ስርሓት ዘፍርዩ ዉልቀ ሰባትን ትካላትን (ከም ሰራሕቲ ክራርን ካልእ ኢደ ጥበባዊ ስርሓት)
• ብሓፈሻ ኩሉ ዓይነት ሰብ ሞይኡ ኮነ ሓሳቡ ከፋልጥን ክሸይጥን ዝኽእለሉ ባይታ ከነዳሉወሉ ድልዋት ኣለናእዝን ካልእን ትሕዝቶ ዘለዎም ሰባት ብቐጥታ ምስ ኡቡንቱ ሃዉስ ብምዝርራብ ቦታ ክሕዝኣሎም ይኽእል። በዚ መንጽር ድማ ፍርያቶምን፡ ክእለቶምን ናብ ጥቕሚ ህዝቦም ዘዉዕሉሉ መንገዲ ይፈጥሩ።.ብዘይካዚ ንህጻናት ኣብቲ ዕለት ፉሉይ ናይ መጻወትን መምሃርን መደባት ተዳልዩሎም፡ ነፍሲ ወከፍ ህጻን ብናቱ ዝንባለ፡ ዝዘናጋዓሉን ዝመሃረሉን ባይታ ተዳልዩ ከምዘሎ እናሓበርና፡ ነፍሲ ወከፍ ወላዲ ምስ ዉላዱ ንምምጻእ ዝጽግሞ ነገር ከምዘየለ ከነብስረኩም ንፈቱ።. እዚ መደባት እዚ ሰብ ብዝመረጾን፡ ከርብሖ ኣብ ዝኽእልን ቦታ ብምኻድ ዝከታተሎ ክኸዉን እንከሎ፣ ንኹሉ ሓፍሽ ህዝቢ ዝዉክሉ ሰሚናራትን ኣስትምህሮታትን ድማ፡ ብኡቡንቱ ሃዉስ ዝተዳለዉ ክህልዉና ‘ዮም።ኣብ ዕብየት ገዝእ ነብሱን ኣብ ዕብየትን ሕውየትን ሕብረትሰቡ ዝግደስ ዘበለ ሰብ፡ መን ይኹን ካባይ ይምጻእ ብዘይገድስ፡ ኣብዚ ኣብ ዕለት 25_26 ወርሒ መስከርመ (9) 2021 ብኡቡንቱ ሃዉስ ተዳልዩ ዘሎ ናይ ሓባር ኤክስፖ ናይ ከተማ ፍራንክፈርት ተኻፈልቲ ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም። ብደሓን ምጽኡ።